ቁፅሪ ስደተኛታት ቬንዙዌላ 3 ሚልዮን በፂሑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት

መቐለ 30 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ቀረፅ ስደተኛታት ቬንዙዌላ 3ሚልዮን ከምዝበፅሐ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ከምዝገለፆ ኣብ ቬንዙዌላ ብዘሎ ተደጋጋሚ ጎንፂ ዝለዓለ መጠን ናህሪ ዋጋን ሕፅረት ምግቢን 1 ካብ 12 ሰባት እታ ሃገር ንስደት ክቃልዑ ምክንያት ኮይኑ ኣሎ።

ኣባል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝሓበሮ ድማ ቁፅሪ ካብ ቬንዙዌላ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተሰደዱ ስደተኛታት 3 ሚልዮን በፂሑ ይርከብ።

ካብቶም ዝተሰደዱ 3ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃሃር እቶም 2.3ሚልዮን ዜጋታት ካብ 2015ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ካብ ቬንዙዌላ ዝወፁ እዮም ዝበለ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ ቁፅሪ ዝስደዱ ዜጋታት ኣዐርዩ ከምዝወሰከ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዊልያም ስፒን ዶላር እቶም ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኮሎምቢያን ፔሩን ዝበዝሒ ይስደዱ ከምዘለው ገሊፆም።
ብዜካ እዚ ኣብ ሃገራት ኢዃደር፣ኣርጀንቲና ቺሊን ብራዚልን ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ቬንዙዌላ ከምዝርከቡ ይፍለጥ ኣልጀዚራ ከምዝፀብፀቦ።