ፍልስጤማውያን ጉዕዞ ሕጃን ዑምራን ተኣጊዶም

መቐለ 30 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ስዑዲ ዓረብ ግዚያዊ ፓስፓርት ዝሓዙ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ሙስሊም ናብ ቅድስቲ ከተማ ሜካ ከይኣትው ኣጊዳ።

ኣብ ዮርዳኖስ፣ሊባኖስን እስራኤል ኣብ ትቖፃፀሮ ምብራቅ እየሩሳሌምን ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓብረ ዘእቱ ቪዛ ከይረክቡ ከልኪላ’ላ ስዒዲ ዓረብ።
በዚ ድማ ኣስታት 3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ተሃስዮም ኣለው።

ናብ ሜካ ዝግበር ጉዕዞ ዑምራ ወይ ሓጂ ኣብ እስልምና እንተውሓደ እንተተካኢሉ ሓደ ግዘ ክግበር ዝግበኦ ዕድል ምስ ምኳኑ ስዑዲ ዓረብ ነዚ ዕድል’ዚ’ያ ከልኪላ ዘላ።

እዚ ውሳነ ስዑዲ ዓረብ ንኩሉ ዓረብን ሙስሊምን ዝሃሲ ምኳኑ ሓደ ኣባል ፓርላማ ዮርዳኖስ ይዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ካብ ምብራቅ የሩሳሌም ዌስት ባንክን ጋዛን 6ሽሕን 600 ሰባት ንሓጂ በብዓመቱ ድማ 70ሽሕ ኣመንቲ ጉዕዞ ዑምራ ከምዘካይዱ ይግለፅ።