ኢትዮጵያን ጣልያንን 696ሚልዮን ቅርሺ ስምምዕነት ልቃሕን ሓገዝን ተፈራሪመን

መቐለ 02 ጥቅምቲ 2011(ድወት) ብካልእ ዜና ኢትዮጵያን ጣልያንን ስምምዕነት ልቃሕን ሓገዝን 696 ሚልዮን ቅርሺ ተፈራሪመን።

ካብዚ እቲ 538ሚልዮን ቅርሺ ብልቃሕ ዝወሃብ እንትኸውን ዝተረፈ 158 ሚልዮን ቅርሺ ድማ ብመልክዕ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ጣልያን ዝተረኸበ’ዩ።

እቲ ኣብ መንጎ ጣልያንን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕነት ልቃሕን ሓገዝን ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ንዝረአ ፀገም ኣገልግሎት ማይን ፈሳስን ንምምሕያሽ ዝውዕል እዩ ኢዜኣ ከምዝሓበሮ።

ነቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ብወገን ኢትዮጵያ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ኣይተ ኣድማሱ ነበበ እንትኾኑ ብወገን ጣልያን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ጣልያን ኣርቱሮ ሉዚ እዮም።

እቲ ስምምዕነት ብምትሕብባር ልምዓት ጣልያን ሚኒስቴር ማይ መስኖን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብሓባር ተግባራዊ ዝኸውን’ዩ ተባሂሉ።