ቐዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም…

መቐለ 01 ጥቅምቲ 2011(ድወት) ቐዳማይ ሚኒስትር ጁስፔ ኮንቴ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይሮም ኣለዉ።

ቐዳማይ ሚኒስትር ጁስፔ ኮንቴ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽልተ መዓልቲታት ዝፀንሑ ኮይኖም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ክዝትዩ እዮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።