ኣምባሳደር ታየ ደብዳበ ሽመቶም ኣቅሪቦም

መቐለ 02 መስከረም 2011(ድወት) ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ደብዳበ ሹመቶም ንዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶንዮ ጉቶሬዝ ኣቕሪቦም።

ኣምባሳደር ታየ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንዝነበሩ ዶክተር ተቀዳ ኣለሙ ብምትካእ’ዮም ኣምባሳደር ኮይኖም ተሸይሞም።

ብመሰረት’ዚ ድማ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ስርሖም ንምጅማር ደብዳበ መንግስታት ኣንቶንዮ ጉቶሬዝ ኣቕሪቦም ኣለው።