ፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግ ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ዝጠናከረሉ ዛዕባ ዘትዩ

መቐለ 05 ጳጉሜን 2010(ድወት) ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግ መበል 11 ውድባዊ ጉባኤን ሃገራዊ ለውጢን ኣብ ዝጠናከረሉ ኩነታት ብምዝታይ ስሩዕ ኣኬብኡ ዛዚሙ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግ ኣብ ጰጉሜን ክልተ ክሳብ 4 ጰጉሜን 2010ዓ.ም ዘካየዶ ስሩዕ ኣኬብኡ ከምዝዛዘመ ቤት ፅሕፈት ኢህወደግ ዘውፀኦ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ኣብ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኬብኡ ድማ ንመበል 11 ውድባዊ ጉባኤ ዝግበር ዘሎ ምድላውን ቀፃልነት ዘለዎ ሃገራዊ ለውጢ ብብቅዓት ብምምራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት መኺሩ ኣሎ።

መበል 11 ውድባዊ ጉባኤ ድማ “ሃገራዊ ሓድነት ንኩለንተናዊ ዕብየት” ብዝብል መሪሕ ቃል ዘካይዶ ገምጋም ዘቀምጦም ኣንፈታትን ውሳነታትን ዝህልዎም ትርጉምን ብጣዕሚ ልዑል ከምዝኮነ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ሓዱሽ ዓመት 2011ን ንመላእ ኢት/ያውያን ዓመተ ሰላም፣ፍቅርን ይቅሬታን ሓድነትን ንክከውን ተመንዩ ኣሎ።