ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሕገ-መንግስቲ ንምኽባር ዝተውሃበ ሓላፍነት ከጠናክር ይግባእ…

መቐለ 04 ጳጉሜን 2010(ድወት) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምኽባር ዝተውሃቦ ሓላፍነት ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ።

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ሓዱሽ ዓመት 2011ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ኣብ ዘካየድዎ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ንህዝብን ሃገርን ቐዳምነት ብምሃብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምኽባር ዝተውሃበ ልዑል ሓላፍነት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ክጠናኸር ይግባእ።

ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልልና ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ህዝብን መንግስትን ዝሃብዎ ሓላፍነት ምኽባር ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብዝለዓለ ህዝባዊ ወገናውነትን ጅግንነትን ይፍፅም ኣሎ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ብታሪኽ ፀላኢ ኣብ ምምካት ቡዙሕ መስዋእትነት ዝኸፈለ እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ሐዚ እውን ኢትዮጵያ ተኸቢራ ንክትነብር ምስ ኻልኦት ኢትዮጵያውያን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብምዃን ኣድላይ ዘበለ ኹሉ ከምዝፍፅም ኣረጋጊፆም።

ዋና ኢታ ማዥር ሹም ጀነራል ስዓረ መኮነን ብግዲኦም ኣብ ቐፃሊ ዓመት ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ ሰራዊት ንምህናፅ ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ 2011ዓ.ም ኣብ ሃገርና ሓይሊ ባሕሪ ንምህናፅ ዘኽእል ስራሕ ከምዝስራሕ ድማ ተዛሪቦም።