75 ኣባላት ብራዘር ሁድ ፍርዲ ሞት ተወሲንዎም

መቐለ 03 ጳጉሜን 2010(ድወት) ግብፂ 75 ኣባላት ፓርቲ ሙስሊም ብራዘር ሁድ ብሞት ክቅፅዑ ፈሪዳ።

ኣብ 2013ዓ.ም.ፈ ኣብ ግብፂ ዝተካየደ ሰልፍታት ተቋውሞ ስዒቡ ብኣማኢት ዝቁፀሩ ሰልፈኛታት ተቀቲሎም’ዮም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ነቲ ሰልፊ መሪሖም ኣለዓዒሎም ዝተብሃሉ መራሕቲ ፓርቲ ሙስሊም ብራዘር ሁድ ዝነበሩ ኢሳም ኤል ኢርያንን መሓመድ ቤልታጊን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ብሞት ክቅፅዑ ቤት ፍርዲ ግብፂ ወሲኑ’ዩ።

ሃይማኖታዊ መራሒ ፓርቲ ብራዘር ሁድ መሓመድ ባዴ ዕድመ ልክዕ ክእሰሩ ሻውካን እናተብሃለ ዝፍለጥ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ነቲ ኩነታት ቅትለት ፀብፂብካ ተባሂሉ ኣብ 2013 ዝተኣሰረ ኮይኑ ብነፃ ክሰናበት ተወሲኑ’ሎ።

ኣብ 2013ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣደባባይ ኣል ኣዳውያ ዝተካየደ ሰልፊ ተቃውሞ ንምቁፅፃር ብዝብል ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ ኣብ ውሱን ሰዓታት 800 ሰባት ከምዝቀተሉ ተሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ን45 መዓልታት ዝቀፀለ ሰልፊ ብደገፍቲ ነበር ፕረዝደንት መሓመድ ሙርሲ ዝተወደበ ከምዝነበረ ይፍለጥ።