ኣቦ-መንበር ዓሊባባ ኣብ ምግባረ ሰናይ ክነጥፏ’ዮም

መቐለ 03 ጳጉሜን 2010(ድወት) ኣቦ መንበር ዓለምኻዊ ትካል ዓሊባባ ኣብ ዝቅፅል ሰሙን ካብ ሓላፍነት ዓርሶም ከምዘግለሉ ገሊፆም።

ቻይናዊ በዓል ፀጋ ጃክ ማ ብመርበብ ሓበሬታ ዝካየድ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ብስፍሓት ናይ ዝተቖፃፀረ ትካል ዓሊባባ ኣቦመንበር እንትኮኑ ኣብ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ንትምህርቲ ንምስታፍ ካብ ሓላፍነቶም ከግልሉ ከምዝደልዩ ሓቢሮም ኢሉ ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ዝፀርሐ ቢቢሲ።

ሚስተር ጃክ ማ ኣብ 1999ዓ.ም.ፈ ዘጣየሽዎ ዓለምለኻዊ ፅዕንቶ ፈጣሪ ትካል ዓሊባባ ብመርበብ ሓበሬታ ፍርያት ፊልም ሓዊሱ ልዕሊ 400 ቢልዮን ዶላር ዝግምቶም ዝተፈላለዩ ምህርታት የተዓዳድግ።

ወዲ 54 ዓመት ነበር መምህር ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝኾኑ ጃክ ማ 40 ቢልዮን ዶላር ብምውናን ኣብ ቻይና 3ይ ሃፍታም ተባሂሎም ኣብ 2017ዓ.ም.ፈ ዝተሓትመ መፅሄት ፎርብስ ከምዝተፀርሑ ይዝከር።

ሚስተር ማ ካብ ሃብታም ዓለምና ቢልጌትስ ብዙሕ ከምዝተምሃሩ ብምግላፅ ኣብ ምግባረ ሰናይ ትምህርቲ ክነጥፏ ተበጊሶም ኣለው።