ሃንደበታዊ ማያዊ ውፅኣትን ተምላስን ኣብ መቐለ

መቐለ ነሓሰ 05/2010(ድወት)ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቐረባ እዋን ብዝተርኣየ ሃንደበታዊ ማያዊ ውፅኣትን ተምላስን 100 ሰባት ከምዝተጠቕዑ ተገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ከተማ መቐለ ከምዝገለፆ ካብቶም በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ 100 ወገናት ሓደ ሰብ ንሞት ከምዝተቃልዐ ገሊፁ።

ኣብ ቐረባ እዋን ዝተርኣየ እቲ ሕማም በቢመዓልቱ ንብርክት ዝበሉ ወገናት ግዳይ ይገብር ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ቤት ፅሕፈት ሕብረተሰብ ዝግባእ ጥንቓቐ ክገብር ድማ ሓቲቱ።

እቲ ሕማም ብቐንዱ ብጉድለት ውልቐን ከባቢያዊ ፅርየትን ዝመፅእ’ዩ ዝበለ እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ብዝግባእ ብምርዳእ ኣብ ወሰንቲ እዋናት ዝተብሃሎ ከተግብር ድማ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕማም ኣብ ዝረኣየሎም ከባቢታት ዝግበኦ ቁፅፅር ይግበር ከምዘሎን እዚ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ድማ ተሓቢሩ ኣሎ።