ኤች ኣይቪ ኤድስ ሐዚ’ውን ሓደጋ ሃገርና’ዩ

መቐለ ነሓሰ 05/2010(ድወት)ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ሃገርና ሐዚ’ውን ለበዳ ኮይኑ ይቅፅል ምህላው ተሓቢሩ።

ከምሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓደ ሕማም ዝርግሕኡ ልዕሊ 1ሚኢታዊ እንተኾይኑ ለበዳ ኢልና ክንፅውዖ ከምንኽእል ይገልፅ።

ኣብ ሃገርና ዝርግሐ ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ 1.2ሚኢታዊ ምብፅሑን ሐዚ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ለበዳ ክትናገፍ ከምዘይክኣለት ቤት ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፅፃርን ኤች ኣይቪ ኤድስ ፌደራል ገሊፁ።

ጉዳይ ኤች ኣይቪ ኤድስ ካብ ኣጀንዳ ወፂኡ ትኩረት ክስእን ብምኽኣሉ ቁፅሪ ካብ ግዘ ናብ ግዘ በቲ ሕማም ይጥቅዑ ዘለው ወገናት እናወሰኸ ከምዝመፀ ድማ እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ።

ኣብ 2009ዓ.ም ኣብ ሓደ ዓመት ጥራይ 27ሽሕ ሓደሽቲ በቲ ሕማም ዝተጠቅዑ ወገናት ከምዘለው ዝተገለፀ ኾይኑ እዚ ድማ ከምኣቖፃፅራ ፈረንጂ ኣብ 2030 ሓደ ሰብ በዚ ሕማም ከይጥቃዕ መሰረት ገይሩ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ስግኣት ከምዝፈጥር ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ መናእሰይ ዘሎ ግንዛበ ትኩረት ብምሃብ ተኸታታሊ ኣስተምህሮን ስልጠናን ብምሃብ ብተመሳሳሊ ተረሲዑ ዝነበረ ኣጀንዳ ኤች ኣይቪ ኤድስ መሊስካ ብምልዓል ነዚ ፀገም ምቕራፍ ከምዝከኣልን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ነዚ ትኩረት ሂቡ ክሰርሕን ድማ እቲ ቤት ፅሕፈት ፀዊዑ ኣሎ።