ወሰኽ ታሪፍ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቱርኪ

መቐለ ነሓሰ 05/2010(ድወት)ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ናብ ቱርኪ ትልእኾም ፍርያት ሓፂንን ኣልሚንየምን ወሰኽ ታሪፍ ከምዝገበረት ኣፍሊጣ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ድረ-ገፅ ትዊተሮም ከምዝሓበርዎ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ኣለሚንየም 20 ሚኢታዊ፣ ኣብ ፍርያት ሓፂን ድማ 50 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዝገበረት ገሊፆም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ነቲ ወሰኽ ከም ምክንያት ዘቐመጥዎ መተዓዳደጊ ገንዘብ ቱርኪ ላይራ ብ20 ሚኢታዊ ዋግኡ ክንኪ ብምኽኣሉን ንዶላር ክወዳደሮ ከምዘይክኣለን ምዃኑ ገሊፆም።

ኣሜሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስ ቱርኪ ፅቡቕ ርክብ ከምዘይብላ ዝገለፁ ትራምፕ እዚ ውሳነ ከምመጠን ፕረዝደነት ናይ ምውሳን ስልጣኖም ተጠቒሞም ዘሕለፍዎ ውሳነ ምዃኑ ገሊፆም።

ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይጵ ኤርደጋን “እዚ ኣካል ናይቲ ብናይ ደገ ሓይልታት ይበፅሐና ዘሎ መጥቃዕቲ’ዩ።ክብሉ ነቲ ወሰኽ ዋጋ ተቓዊሞምዎ።

ቱርኪ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ፀገም ንምእላይ 9ተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ዲፕሎማሲ ልኢኻ ምንባራ ዝዝከር እዩ።