ሰልፊ ተቛውሞ ኣብ ሮማንያ

መቐለ ነሓሰ 05/2010(ድወት)ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ሮማንያውያን ብዘካየድዎ ሰልፊ ተቛውሞ ምስ ፓሊስ ተጓኒፆም።

ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑፀሩ ሮማንያውያን ኣንፃር መንግስቲ እታ ሃገር ብዘካየድዎ ሰልፊ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ተጓኒፀፆም።

በቲ ጎንፂ ኣስታት 100 ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዘድልዮምን 10 ፓላዊስ ድማ ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ተገሊፁ ኣሎ።

ፓሊስ ነቲ ሰልፊ ተቛውሞ መንብዒ ትኪን ሃቡቡላ ማይን ከምዝተጠቐመ ተገሊፁ።

እቶም ተቛወምቲ ኣብ ከተማ ቡካሬስ ዝርከብ ማእኸል መንግስቲ እታ ሃገር ጥሒሶም ክኣትው ፈተነ ከምዝገበሩ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ቀንዲ ሕቶ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ መሪሕነት ዘሎ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ስልጣን ይውረድ ዝብል ምዃኑ ድማ ተገሊፁ።