ቅዋም ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ትማል ክሳብ ሎሚ

---------------
ድወት፡ 03/12/2010
መእተዊ
------
ታሪኽ ትግራይ ታሪኽ ዓወት እዩ። ታሪኽ ዓወት ዝኮነሉ ምክንያት ድማ መንገዱ መንገዲ ሓቅን ርትዕን ብምዃኑ እዩ። መንገዲ ሓቅን ርትዕን ምርጫ ትግራይ ዝኾነ ብምኽንያት እቲ ካብ ዘበን ጥንቲ ሒዝዎ ዝመጸ ንያት ወለዲ እዩ። እዚ ንያት ወለዲ እዚ ካብ ንዓለም ዘግረመ ስልጣነ ይብገስ። እቲ እንዛረበሉን መንነትና ዝምንጭወሉን ስልጣነ ደደጊምና ኣብ ሓቅን ርትዕን ክንምርኮስ፡ መመሊስና ንያትና ክንፍትሽን ናብ ቐጻላይ ተደማራይ ዓወት ክንሰግርን ይገብር።
ታሪኽ ትግራይ ታሪኽ ፈተናን ዓወትን ታሪኽ ሕልኽላኽን ብራኸን እዩ። ከም ህዝቢ ከጥፍኡና ኣብ ልዕሊ ዝሃቀኑ ጸላእቲ ክቡር ዋጋ እንዳኸፈልና መጺእና። ሓንቲ መዓልቲ እኳ ኣሜን ኢልና ዝተቐበልናዮ ብድዐን የሻል ኢልና ዝሃብናዮ ኢድን የለን።
ሕሉፍ ታሪኽ ንህልው ታሪኽ እታወት እዩ። ሕዚ ትግራይ ገጢምዋ ዘሎ ጸገም ኣብ ሕሉፍ ታሪክ ናይ ዝሰራሕናዮም ጌጋታት ኢድ ኣለዎ። ከምኡ ብምዃኑ ኣብ መፍትሒኡ እውን ሕሉፍ ታሪኽ ምድህሳስ ወሳኒ እዩ።
ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ እዚ ካብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኢዚ ምውጻእ ትግራይ ዝገበረቶም ንክብርታታ፣ ንታሪኻን ንክቡር መንነታን ዝምጥን ኣካይዳታት ንምርኣይ ተፈቲኑ ኣሎ።
ስለምንታይ ንፌደራላዊ ስርዓት ተሰዊእና?
------------------------
ታሪኽ ትግራይ ታሪኽ ዓወት እዩ ዝበልናሉ ቀንዲ ምክንያት ኣብ ሓቅን ርትዕን ዝተመርኮሰ ባህልን ግብርን ዘለና ህዝቢ ብምዃኑ እዩ። ኣብ ወያነ ኢትዮጵያ ካብ ዝተርኣዩ ተባራዕቲ ሕቶታት እቲ ሓደ ድማ ብሄራዊ ሕቶ እዩ። ሕቶ ዓርሰ ምሕደራ፣ ሕቶ መንነታዊ ህላወ ዓብዪ ነይሩ። ምናልባት እውን ሽዑ ዝነበሩ ናይ ቃልሲ ውድባት ክደራጀዉ ምክንያት ዝኾነን ዘስልጥን ንሱ ነይሩ ምባል ይከኣል። ርግጽ እዩ፡ ብካልእ መንገዲ ዝተወደቡን ዘይሰመረሎምን ብዙሓት ካልኦት እውን ነይሮም።
ተጋሩ መናእሰይ እዛ ሕቶ እዚኣ ሒዞም በረኻ ወፊሮም። ዝተናወሐ ናይ በረኻ ብሄራዊ ቃልሲ ከም ስልቲ ወሲዶም ካብ ደደቢት ናብ ቤተ መንግስቲ 17 ዓመታት ወሲድሎም። ኣብዙይ ከም ህዝቢ ተጋዲልና። ተሰዊእና። ደሚናን ናይ ወለዶታት ኪሳራ ተሰኪምናን። እዙይ ብፍሉይ እዩ። ካልኦት እውን ግን ታሪኽ ዝምስክሮ ኣበርክቶ ገይሮም።
ድሕሪ ዓወት፡ ቃልስና ቃልሲ ሓቅን ርትዕን እዩ እሞ ህዝብታት በብሄሮም ክመሓደሩን ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ድማ ማዕረ ብጽሒት ክህልዎም ብኡ እውን ሃገራውነት ከማዕብሉን ካብኣ ክርብሑን ተገይሩ። ነዚ እውን መስዋእቲ ተኸፊሉ። ስለምንታይ እንተተባሂሉ ቅዋም ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ጭቡጥ ንያታዊ ታሪኻ ካብ ዝብገስ እምነት እዩ። እምነት ፍትሒ። እምነት ሓቂ። እምነት ማዕርነትን ቃንጭነትን!
ስለምንታይ 27 ዓመት "ደሚና"?
-----------------
ሕሉፍ 27 ዓመታት ዓመተ ልምዓት እዩ። ነብሲ ወከፍ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ማንም ትሕቲ ማንም ንከይኾን ከምእተቓለሰ ይፈልጥ እዩ። በዙይ እውን እዩ "ስዒረ እየ እሞ ሕልፊ የድልየኒ እዩ" ከይበለ እታ ዋርድያ ድኽነት ንዝኾነ ስርዓት ደርግ ዝደምሰሰላ ብረት ኣቐሚጡ ናብ ሓመዱ ተመሊሱ። ሓመድ ልሒሱ ክልዓል ሓደ ኢሉ ስራሕ ጀሚሩ። ከም ኣበሃህላ ድምጻዊ ጠርጣራው "ኲናት ዝሃሰያ" ትግራይ ንምድሓን ብወፍሪ ናብ ሜዳን ኩርባን ዓድና ዘሚቱ። ርኡይ ለውጢ እውን ኣመዝጊቡ።
ህዝብና ናብራን ታሪኽን ክቕይር ዘይምሰል መሲሉ፡ ልዕሊ ህዝቡ ዋጋ ከፊሉ ትሕቲ ህዝቡ እናነበረ 27 ዓመት ምሉእ ግን ከም ጽጉብ ተቆጺሩ መዝሙራት ሕስድን ሕሶትን ተዘርጊሖምሉ። "መቐለ ብፋብሪካታት ትሰጥም ኣላ፡ ትግራይ ምድራ ብወርቂ ሰማያ ብኣልማዝ ተለቢጡ" እናተብሃለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግጉይ ኣመለኻኽታ ክሰፍር፡ ሰፊሩ ሰፊሩ ድማ ሕዚ ዝርአ ዘሎ መቕዘፍቲ ንጹሃት ክፍጠር ምክንያት ኰይኑ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኰይኑ እቲ ብምክንያት ህዝባውነቱ እናተሸርሸረ ዝመጸ መሪሕነት ውድቡ ዝተፈጠረ ጸገም ድኣ እምበር ጸገሙን ዘይተመለሰ ሕትኡን ምስ ዝኮነ ካልእ ኣካል ኣተሓሒዙ ኣልዒሉ ኣይፈልጥን ህዝብና። "ዘይለማዕኹ በዓል እከለ ስለዝሓዙኒ እዩ፥ በዓል እከለ ኣብ ስልጣን ስለዘለዉ እዩ" ብምባል ሽግራቱ ደጋውያን ንምግባር ፈቲኑ ኣይፈልጥን።
እዚ ዝኾነሉ ምክንያት ታሪኽ ትግራይ ታሪኽ ሓቅን ርትዕን ስለዝኮነ እዩ። ኣየናይ ጸገም ብናይ መን ስንፍና ተፈጢሩ ኣለልዩ ክርዳእ ስለዝኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታ ንውድቡ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መወዳእታ መጠንቀቕታ እውን ካብዚ እዩ ዝብገስ። ስለምንታይ 27 ዓመት ከይበላዕና በሊዖም፣ ከይሰተና ሰትዮም እናተብሃልና ነይርና? ብሓፈሻ ስለምንታይ ኣብዞም ዓመታት እዚኦም ብዙሕ ደሚና ንዝብል ሕቶ ኣብ ትግራይ ዝውሃብ መልሲ "ብስንፍናና" ዝብል ድኣ እምበር ናብ ካልእ ኣካል ክልሑኽ ብምግባር ኣብቲ ብደሙ ዝሃነጾ ፈደራላዊ ስርዓት ሕቶ እንተልዕል ኣይርአን። እዚ ካብነባር ክብርታትና ዝምንጭው ልዕል ኢልካ ናይ ምሕሳብ ህዝባዊ ክብሪ እዩ።
ስለምንታይ ሕሉፍ 3 ዓመታት ኣብዛ ሃገር ተጋፊዕናን ሞይትናን?
---------------------
ናይ ጸወታ ሕጊ እዩ ዘገድሶ ንሓደ ብልሒ ኣተሓሳስባን ልዕልናን ዘለዎ ህዝቢ። ሕሉፍ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብዛ ሃገር ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ዝተሰበኹ ጽልኢታት ግብራዊ ምላሽ ዝተርኣየሎም ዓመታት እዮም። ኣብዚ ናይ ምግፋዕ እዋናት ትግራይ ዝወሰደቶም ስምጉምታት ከምዚ ዝስዕብ ከፋፊልካ ምርኣይ ይከኣል እዩ። ቅድሚኡ ግና ናብ ዝትኩሰልካ ምትኳስ ዘይተከኣለሉ ምክንያት እቲ ናይ ጸወታ ሕጊ ዝፈቅድ ስለዘይነበረ እምበር ካልእ ምክንያት ከምዘይብሉ እንኮላይ እቲ ዘድመየናን ዝቐተለናን ሓይሊ ይፈልጥ እዩ። እቶም ስጉምትታት፥
ሀ) ትዕግስቲ፡
እቲ ፈላማይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ትዕግስቲ እዩ። ኣብ ኣምሓራ ንዝፍጠር ጸገም ተሓታትን መላስን ኣብኣ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ እዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ ፌደራላዊ ስርዓት ክህልው ዝግብኦ ናይ ጸወታ ሕጊ ኣብ ኦሮምያ ናይ ኦሮምያ፣ ኣብ ሓምራ ናይ ኣምሓራ ኣብ ካልእ እውን እቲ ኣብኣ ዘሎ ምሕደራዊ ኣካል እዩ ድሕንነት ዜጋታት ዝሕልውን ኣብኡ ዝበጽሐ ጸገም እውን ሓላፍነት ዝወስድን። ትግራይ እምብኣር እዚ ኹሉ ጸገምን ውርደትን እንተጋጥም በዙይ መገዲ እዚ ክእለ እያ ፈቲና። ሕጊ ጸወታ ኣኽቢራ። ግን ከይኮነ ተሪፉ። እኳ ድኣ ብካልእ እውን ዝተተርጎመ ዝተኸሰረ ትዕግስቲ ኰይኑ ሓሊፉ።
ለ)ሕጋዊ ስጉምትታት፥
ከም ሓደ ናይቲ ህልው ስርዓት ናይ ጸወታ ሕጊ ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት እንተጋጥሙ ሕጋዊ ስጉምትታት ምውሳድ ናይቲ በሊሕ ማሕበረሰብ ምርጫ እዩ። እዝይ ምርጫ ኣብ ሓቅን ርትዕን ናይ ዝኣምን ማሕበረሰብ እዩ። ምርጫ ተዓዋታይ ህዝቢ እዩ። ኣብ ትግራይ ነዙይ ኣመልኪቶም ካብ ዝወጹን ዝተርኣዩን ስጉምትታ እቲ ሓደ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዘሕለፎ ውሳነ ወይ ሪዞልሽን እዩ። እቲ ውሳነ ንህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ዝተውሃበ ውሳነ እዩ። ዝርዝር ትሕዝቶ እቲ ውሳነ ኣብዚ ኣብ ላይክ ፔጅና ምርካብ ይከኣል። ሓፈሽዊ ትሕዝትኡ ግና ነቲ ዳሕራይ ብሰለማዊ ሰልፊ ዝተገለጸ ቁርጸኛ ቅዋም መበገሲ ዝኾነ ነይሩ። እዚ ብመሰረት እቲ ሕጊ ጸወታ ዝፈቕዶ ምኻድ ዘርኢ ምልክት ስልጡንነት ፖለቲካዊ ባህልና እዩ። ውጽኢቱ እውን ዝተስልሐ እዩ።
ሐ) ሰለማዊ ሰልፊ
ሰለማዊ ሰልፊ ትግራይ ብዙሕ ትርጉምን ጽዕንቶን ዝፈጠረ ኰይኑ ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ሓፍ ዝበለ ትርጉምን ከቢድ ጽዕንቶን ካብምንታይ ዝተፈጠረ እዩ እንተተባሂሉ መልሱ ግልጺ እዩ። ካብ ዓዲ ሓቅን ርትዕን ዝተሰምዐ ሰልፊ ብምዃኑ እዩ። ካብ ተዓዋታይ መንፈስ ህዝቢ ዝመጸ ብምዃኑ እዩ። ኩለን ናይተን ሰልፍታት ባእታት ንነባር ክብርን ጸጋን ህዝብና ዝምጥን ነይሩ ምባል ይከኣል። እዚ ሰልፊ እዚ ህዝቢ ትግራይ ዳግም እንተጸጊምዎ ንሰልፊ ከምዘይወጽእ ንጸላእን ፈታውን መልእክቲ ዘሕለፈ እዩ ነይሩ። ይትረፍ ሕዚስ ኣብቲ ጸላም እዋን እኳ ሓይሉ ኣብ ብርኩ ተስፍኡ ኣብ ከብዲ ኢዱ ገይሩ እንታይ ከምዝገበረ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ ሰለማዊ ሰለማዊ ሰልፊ ኣይክህሉን።
መ) መደረ ዶክተር ደብረጽዮን
ሓዱሽ መሪሕነት ዶክተር ደብረጽዮን ዓብዪ ተስፋ ካብ ዝተነበረሎም ናይ ትግራይ ናይ ቁርጺ እዋን ፖለቲካዊ ሓይልታት እቲ ሓደን ቀንድን እዩ። ዛጊድ ዝተሰርሑ ስርሓቲ ምግምጋም ንግዚኡ ሓዲግና ኣብታ ሰለማዊ ሰልፊ ዝነበረት መደረ ዶክተር ደብረጽዮን ሕዚ ኣብ ትግራይ ንዘላ ኩላ ዓይነት ናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባ ዝጠመረት ቃል እያ። ዶክተር ኣብ ዘረብኦም "ዘለና ዕድል ወይ ተኸባቢርካ ምንባር እያ ወይ እውን ምብትታን እያ" እዮም ዝበሉ። እዚ ተራ ዘረባ ኣይኰነን። ናይ ሓደ ሓያል ህዝቢ ናይ መወዳእታ ቃል እዩ። ናይ ሓደ ዓዲ ሓቅን ርትዕን ዝኾነ ህዝቢ ቀይሕ መስመር እዩ። እዚ ዘረባ እዙይ ዘድለየሉ ምክንያት እውን እቲ ናይ ጸወታ ሕጊ እዙይ ስለፈቅድ እዩ።
እዞም ንመርኣያ ዝቐረቡ ብፍላይ ኣብዞም ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ንዝተርኣዩ ጸገማት ስዒቦም ዝመጹ ስጉምትታት፡ ትግራይ ንኢትዮጵያን ህላውኣን ዝኸፈለቶም መስዋእታት እዮም። እዚ መስዋእቲ እዚ ኣካል እቲ ትማሊ ኣብ መተማ ዝወደቐትሉ መባእ እዩ። ኣካል እቲ ኣብ ጉናን መራኛን ዘፍሰሰቶ ደማ እዩ። ኣካል እቲ ዘይተስፋሕፋሓይ ግን ድማ ለጋስ ፖለቲካዊ ባህሪኣ እዩ።
ሕዚ እንታይ ንግበር?
---------------------
"ኢትዮጵያ ኣብ ኣክሱም እያ ተወሊዳ" ይብል ኤርሊክ ሃጋይ። ሕምብርቲ እዛ ሃገር፣ ደምን ዓጽማን ትግራይ እያ። ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ንላዕሊ ንማንም ኣይትቐርብን።
ሕዚ ካብዚ ኩሉ ጸገማት ንምውጻእ ትግራይ ምልማዕ ወሳናይ ግደ ኣለዎ። ትግራይ ሰባ ኣብ ባዕላ ምስ ባዕላ ዝነብረላ ክትከውን ኣለዋ። ትኽክለኛ ፌደራላዊ ስርዓት ንክህነጽ ዓርሳ ዝከኣለት፡ ደቃ ከካብ ቦትኡ ዝመጽዋ እምበር ካብ ትግራይ ነናብ ቦትኡ ዝኽዱላ ክትከውን ኣይብላን፡ ዋላ ሃገሮም እንተኮነ። ስለዚ ትግራይ ይትረፍ ንደቃ ንደቂ ካልኦት እውን እትስሕብን እተህርፍን ምግባር የድሊ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልወና ህልውና ንጹር ክኮን ምስራሕ የድሊ። ናይ ስምምዕነት ዓዲ እዩ። እዚ ስምምዕነት ብናይ ሓደ ወገን ድልየት ጥራይ ምስጓም ኣይከኣልን። ስለዚ ናይ ሰልፊ ሓይልታት ተነጺሮም ኣብ ጭቡጥ ማዕርነታዊ ርክብ ዝተመስረተ ዝምድና የድሊ። ነዙይ ምስራሕ። እንተዘይኰይኑ ባህልና ባህሊ ሓቅን ርትዕን... ተመኩሮና ተመኩሮ ማዕርነትን ቓንጭን እዩ እሞ እናተደመና ዓዲ ቤርሙዳ ካብ እትኸውን ነነብስና ክኢልና ንምንባር ክንግደድ ኢና።
እንተ ታሪኽ ትግራይ ግን ታሪኽ ሓቅን ርትዕን እዩ። ካብዚ እናተበገሰ እውን እዩ ታሪኽ ትግራይ ታሪኽ ዓወትን ዕውትነትን ዝኸውን።
የቐንየልና!
ድምፂ ወያነ ትግራይ
ምንጪ ፅፁይ ሓበሬታ!