ልደት ሞ ሳላህ

መቐለ ሰነ 11/2010(ድወት) ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ የካተሪንባርግ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፅዋዕ ዓለም ግብፅን ኡራጋይን ተራኪበን ኡራጋይ ሓደ ንባዶ ተዓዊታ።

በዚ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ኣዝዮም ሓዚኖም ኔሮም ብፍላይ ድማ ምስ ጋንትኡ ዘይተሰለፈ ሞ ሳላህ።

ይኹን’ምበር ኣድነቅቲ ሳላህ ዝኮኑ ችችናውያን ንመበል 26 ዓመት ልደቱ 100 ኪሎ ዝምዘን ኬክ ብምስሊ ወርቃዊ ጫማ ኣመላኺዖም ክሕጎስ ጌሮምዎ።

ደቂ ጋንትኡ ብእንግሊዘኛን ዓረብኛን ሃፒ ፐርዝደይ ኢሎም ብምዝማር ካብ ዝነበረ ስምዒት ፅዕንታ ተናጊፎም’ዮም።

ተፃዋታይ ሊቨርፑል ሳላህ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፀወታ/season 44 ሽቶታት ዘቁፀረ እንትኮን 26 ግንቦት ምስ ርያል ማድሪፍ ኣብ ዝተካየደ ግጥም ኣብ ኢዱ ማህሰይቲ በፂሕዎ ምንባሩ ይዝከር።