ልዕሊ 2ሽሕ እሱራት ብይቅረታ ክፍትሑ

መቐለ ሰነ 07/2010(ድወት) ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ን2ሽሕን 101 ተሃነፅቲ ሕጊ ብይቅረታ ከምዝፈትሕ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ሕዚ ብይቅረታ ዝፍትሑ ዘለው ተሃነፅቲ ሕጊ ካብ ዝተፈረዶም ቅፅዓት እቶም ሲሶን ልዕሊኡን ኣብ ቤት ህንፀት ዝፀንሑን ፅቡቕ ስነ-ምግባር ዘርኣዩን ዝተጥዓሱን ከምኡ’ውን ዕርቂ ዝፈፀሙ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ማዓልቲ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር 65 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 2ሽሕን 101 ተሃነፅቲ ሕጊ ካብ ፅባሕ ዕለት 8 ሰነ 2010ዓ.ም ጀሚሩ ብይቅረታ ከምዝፈትሕ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብገበን ኣገዲድካ ምድፋር ብግዕዝይናን ካልኦት ከበድቲ ገበናትን ዝተፈረዶም ገበነኛታት ግና ኣብቲ ይቕረታ ከምዘይተኻተቱ ኣይተ ረዳኢ ኣገንዚቦም።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ በዓል 20 ግንቦት ምክንያት ብምግባር ንልዕሊ 2ሽሕን 300 ወገናት ብይቅረታ ምፍትሑ ይዝከር።