ክረምታዊ ተኸላ ፈልሲ ክጅመር እዩ…

መቐለ ሰነ 07/2010(ድወት) ኣብዚ ዝመፅእ ክረምቲ ልዕሊ 4.3ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ሚኒስቴር ከባቢ፣ደኒን ለውጢ ኹነታት ኣየርን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሄክታር መሬት ንምልማዕ ዝተተለመ እንትኾን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 300ሽሕ ሄክታር መሬት ከምዝተዳለወ ገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ሽፋን ደኒ ሃገርና ንምፅናዕ መፅናዕቲ ንምክያድ ምድላው ይግበር ከምዘሎ እውን ጀነራል ዳይረክተር ልምዓት ደኒ እቲ ሚኒስትር ኣይተ ቢተው ሽባባው ሓቢሮም።

እቲ ተኸላ ፈልሲ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ከምዝጅመርን፤ሃገርና ኣብዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ዘለዋ ሽፋን ደኒ ናብ 20ሚኢታዊ ንምዕባይ ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎን ገሊፆም።