መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዘካይዶ ቑፅሪ በረራ ከዐቢ እዩ።

መቐለ ግንቦት 14/2010(ድወት) ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ስራሕ ምስ ፕረዝደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ብመሰረት ዘካየድዎ ስምምዕነት እዩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዘካይዶ ቑፅሪ በረራ ክውስኽ ምዃኑ ገሊፁ ዘሎ።

ኽልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መንገዲ ኣየር ኬንያን ብምትሕብባር ንክሰርሑ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ድማ ኤፍ ቢ ሲ ፀብፂቡ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቐንዲ መዕረፊት በፃሕቲ ዓዲ ናብ ዝኾነት ከተማ ሞምባሳ ዘካይዶ በረራ ካብ 24 ሰነ 2018ዓ.ም ፈረንጂ ጀሚሩ ኣበ መዓልቲ ኽልተ ግዜ ክኸውን እዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ድማ ኣብ ሰሙን መዓልታዊ በረራ ከምዘለዎ ይፍለጥ።