ስራሕቲ ማህሌታይ ያሬድ ዝዝከረሉ ዓውደ መፅናዕቲ ይካየድ ኣሎ…

መቐለ ግንቦት 09/2010(ድወት) ቋንቋ ግእዝ ብምዕባይን ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድ ብምስናድን ብምልላይ ቱሪዝም ሃገርና ክዓብየሉ ኣብ ዝኽእለሉ ጉዳይ ዝዝቲ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ይካየደ ኣሎ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዘረባ ዘስመዓ ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ዘነቡ ሓለፎም ከም ቢሮ ቅዱስ ያሬድን ስራሕቱን ካብ ንዝክር 12 ዓመታት ተቆፂሮም ኣለዉ ብምባል ብመንፅር ቅዱስ ያሬድ ንዓለም ዘበርከቶ ስራሕ እንትረአ ዛጊድ ዝምጥን ስራሕ ኣይሰራሕናን ኢለን

ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ዶክተር ፀሃየ ኣስመላሽ ብወገኖም ከም ዩኒቨርስቲ እዚ ዓውደ መፅናዕቲ እንትነዳሉ ኣብ ልምዓት ቱሪዝም ሃገርና ዝለዓለ ምዃኑ ብምግንዛብ እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ዙርያ ቅዱስ ያሬድ ዝግበሩ ምርምራትን ንዕቤት ቱሪዝም ኣብ ዝስርሑ ስራሕትን ሐዚ እውን ቆላሕታ ሂብና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም

እዚ ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይን ዩኒቨርስቲ ኣኽሱምን ዝተዳለወ መድረኽ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኽፋል ሃገርና ዝመፁ ሊቃውንትን ሙሁራትን ዝሳተፍሉ ዘለዉ እንትኸውን ኣብ ስራሕቲ ቅዱስ ያሬድን ምስኡ ተኣሳሲሩ ክስርሑ ዝተትሓዙ ፕሮጀክትታትን ንዕቤት ቱሪዝም ዘለዎ ረብሓን ኣመልኪቶም ንዝቕፅሉ ኽልተ መዓልትታት ክዛተዩ እዮም።