ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ዝተርኣየ ሕማም ኢቦላ ይስፋሕፋሕ ኣሎ…

መቐለ ግንቦት 09/2010(ድወት) ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ዝተርኣየ ሕማም ቫይረስ ኢቦላ ናብ ኻልኦት ከተማታት እታ ሃገር ይስፋሕፋሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ቢቢሲ ከምዝሓበሮ ቅድም ክብል ኣብ ገለ ገጠር ከባቢታት እታ ሃገር ዝተርኣየ ሕማም ኢቦላ ቫይረስ ኢቦላ ኣብ ሓፂር እዋን እናተጋደደ ናብ ከተማታት እውን ይጋፋሕ ኣሎ።

ብመሰረት ቢቢሲ ሒዝዎ ዝወፀ ሓበሬታ ድማ ሐዚ ብዘሎ ዝርገሐ እቲ ሕማም ንምክልኻልን ንምቑፅፃርን ኣብ ዘስግእ ኹነታት ይርከብ።

ሚኒስትር ሓለዋ ጥዕና ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጐ ኦልይ ሉንጋ ካለንጋ ከምዝሓበርዎ ኣብ ከተማ ሞባንዳካ ፈላማይ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ምህላዎም ከምዝተረጋገፀ ገሊፆም።

ኣብታ ብሚልዮናት ዝነብሩላ ከተማ እቲ ሕማም ምርኣዩ ድማ በቲ ዘለዎ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምምሕልላፍ ዓቕሚ ኸቢድ ስግኣት ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቐንዲ መመሓላለፊት መጓዓዝያ ዋና ከተማ እታ ሃገር ኪንሽስ ዝኾነት ሞባንዳካ ካብቲ ፈለማ እቲ ሕማም ዝተርኣየሉ ገጠር ከባቢ 130 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ትርከብ።

ልዕሊ 40 ሰባት በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ኮይኖም 23 ሰባት ከምዝሞቱ ቢቢሲ ገሊፁ።