ኣሜሪካ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝካየድ ዘተ ተስፋ ከምዘይትቖርፅ ገሊፃ…

መቐለ ግንቦት 09/2010(ድወት) ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፅዋር ኑኩሌር ምስ ሰሜን ኮርያ እተካይዶ ዘተ ሐዚ እውን ተስፋ ከምዘይትቖርፅ ገሊፃ።

ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ቕልውላው ኑኩሌር ኮርያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘካይዶ ዘተ ፃዕሪ ዝሓትት እኳ እንተኾነ ኣሜሪካ ግና ሐዚ እውን ተስፋ ከምዘይትቖርፅ ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ገሊፁ።

ኣሜሪካ ምስ ሰሜን ኮርያ ክተካይዶ ዝሓሰበቶ ዘተ ሰሜን ኮርያ ከምትስርዞ ምግላፃ ስዒቡ ኣብ መንጐ ኽልቲኤን ሃገራት ካልእ ወጥሪ ከይዓስል ስግኣት ምዃኑ ይግለፅ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣሜሪካ ነቲ ኹነታት ብርግዓት ብምኽትታል ተስፋ ከምዘይትቆርፅ ገሊፃ ኣላ።

ኣሜሪካ ኣብ ምምዕባል ኑኩሌር ሰሜን ኮርያ ተዕርፎ ዘላ ፅዕንቶን ኢሉ እውን ምስ ደቡብ ኮርያ ተካይዶ ሓበራዊ ወታሃደራዊ ልምምድን ከም ምኽንያት ዘቐመጠት ሰሜን ኮርያ ብዙሕ ትፅቢት ካብ ዝተገበረሉ ዘተ ክትወፅእ ከምትኽእል ምግላፃ ድማ ካልእ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን 12 ሰነ 2018ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ ሲንጋፖር ተራኺቦም ክዝትዩ መደብ ምሓዞም ዝዝከር እዩ።