እስራኤል ዜጋታታ ናብ ቱርኪ ከይገሹ ኣጠንቂቃ።

መቐለ ግንቦት 09/2010(ድወት) ሚኒስትር ቱሪዝም እስራኤል ያሪቭ ሌቪን ከምዝገለፅዎ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መንጐ እስራኤልን ቱርክን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ዓሲሉ ስለዘሎ ዜጋታት ንድሕንነቶም ክጥንቀቑ ይግባእ።

ኣብ መንጐ እስራኤልን ፍልስጤምን ብዝተፈጥረ ጐንፂ ፍልስጤማውያን ምሟቶም ስዒቡ ቱርኪ ቑጠዐኣ ብምግላፅ ኣምባሳደራ ከምዝስሓበትን ኣብ መንጐኣን ወጥሪ ዓሲሉ ከምዘሎን ይፍለጥ።

ስለዚ ኢሎም ያሪቭ ሌቪን ንዑደት ናብ ቱርኪ ዝጐዓዙ እስራኤላውያን ካብ ጉዕዞኦም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም።

ቱርኪ ዓባይ መስሕብ በፃሕቲ እስራኤላውያን እንትትኸውን ኣብ 2017ዓ.ም ፈረንጂ ጥራሕ 380ሽሕ እስራኤላውያን ኣብ ቱርኪ ዑደት ከምዝገበሩ ይፍለጥ RT ከምዝፀብፀቦ።