መንግስቲ ቡልጋርያ ወታሃደራዊ ዓቕሙ ንምጥንኻር 1.7ቢልዮን ዶላር በጀት መዲቡ።

መቐለ ግንቦት 09/2010(ድወት) ንመደባት ምምዕባል ወታሃደራዊ ሓይሉ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምፍፃም ዘኽእል በጀት 1.7ቢልዮን ዶላር ብምድላው ፓርላማ እታ ሃገር ንከፅድቖ ወሲኑ ኣሎ።

መንግስቲ ቡልጋርያ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ ካብ ጠቕላላ ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ እታ ሃገር እቲ 2ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ ንወታሃደራዊ በጀት ዘውዕል ብዝብል ተቓውሞታት ይቐርቦ ነይሩ እዩ።

በቲ ሐዚ ኣዳልይዎ ዘሎ በጀት ድማ ናብ 4.2ሚኢታዊ ክብ ከምዝበለ ተሓቢሩ ኣሎ።

መንግሰቲ ኣዳልይዎ ካብ ዘሎ ወታሃደራዊ በጀት ድማ 16 ነፈርቲ ውግእ፣ 150 ሙሉእ መሳርሒ ኲናት ዘለዎን ተሽከርከርቲ ንምዕዳግ ትልሚ ተታሒዙ ከምዘሎ ሚኒስትር ምክልኻል ቡልጋርያ ገሊፁ ኣሎ።