ስንብት ኣምባሳደር ሞዛምቢክ…

መቐለ ግንቦት 09/2010(ድወት) ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ኣምባሳደር ሞዛምቢክ ኣብ ኢትዮጵያ ማኑኤል ጆሴ ጎግላቭዝን ኣሰናቢቶም።

ፕሬዝዳንት ሙላቱ ምስቶም ኣምባሳደር ኽልቲኤን ሃገራት ማሕበረ ቑጠባዊ ርክበን ኣጠናኺረን ምቕፃል ኣብ ዘኽእለን ዛዕባታት ዘትዮም።

ኣምባሳደር ማኑኤል ጆሴ ጎግላቭዝን ኣብቶም ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኽልቲኤን ሃገራት ካብ ምጥንኻር ጀሚሮም እተን ሃገራት ኣብ መዳይ ቑጠባ፣ ሰላምን ምርግጋዕን ብሓባር ክሰርሓ ከምዘኽኣሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ነበር ቐዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ሞዛምቢክ ዑደት ክገብሩ ከምዝገበሩ እዉን ገሊፆም።

ኽልቲኤን ሃገራት ሓበራዊ ኮሚቴ ሰላምን ምርግጋዕን ምጥያሽ፣ ኣብ ባህልን ቱሪዝምን፣ ተደራራቢ ቐረፅ ኣብ ምትራፍ ከምኡ እዉን ኣብ መጓዓዝያ ኣየር ብሓባር ምስራሕ ዝብሉ ስምምዓት ክፈራረማ ከምዝኸኣላ እዉን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ሞዛምቢክ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣብ ቐፃሊ ብዝትክኡ ኣምባሳደር ኣቢሉ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ዘፍለጡ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ግዘ ስራሕን ንዝተገበረሎም ደገፍን ኣመስጊኖም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ዳይረክተር ፕሮቶኮልን ኮሙኒኬሽንን ኣይተ ኣሸብር ጌትነት ኽልቲኤን ሃገራት ዘለወን ርክብ ዝያዳ ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕነት ዝተበፅሐሎም ጉዳያት ናብ ተግባር ክልወጡ ከምዘለዎም ድማ ኽልቲኦም ኣካላት ሓሳብ ምቕራቦም ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ቐፃሊ ካብ ምብራቕ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዘሎ ዘይሕጋዊ ዝዉዉር ደቂ ሰባት ሞዛምቢክ ቀንዲ መተሓላለፊት ብምዃና ኣብቲ ጉዳይ ብሓባር ንምስራሕን ኣብ መንጎ ኽልቲኤን ሃገራት ዘለዉ ፅቡቃት ተመኩሮታት ተጠናኺሩ ንኽቕልን ፕሬዝዳንት ዶክተር ሙላቱ ፃውዒት ምቕራቦም እዉን ሓቢሮም።

ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ዕላዊ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝጀመራሉ ካብ 1977ዓ.ም ጀሚሩ እዩ።