ዓውዲ ሳይንስ ህዋ ኣፍሪካ ቕልጡፍ ምምዕባል የርኢ ኣሎ ተባሂሉ።

መቐለ ግንቦት 09/2010(ድወት) ናብ ህዋ ዝግበር ጉዕዞ ኣብ ምድሪ ኣፍሪካ ጋህዲ ንክኸውን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ብዓውዲ ምርምር ህዋ ልዑል ተሞክሮ ዘለወን ምስ ከምኒ ሩስያ ብምትሕብባር ምርብራብ ይገብራ ከምዘለዋ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብቲ ዓውዲ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካን ናይጀርያን ፅቡቕ ዝበሃል ጉዕዞ ዝኸዳ ኮይነን ኬንያ ድማ ናብ ተርተአን ተፀምቢራ ኣላ።

ኬንያ ንፈለማ እዋን ሳትላይት ምውንጫፋ ስዒቡ ናብ ተርታ ዓውዲ ምርምር ህዋ ኣፍሪካ ከምተፀምበረት ጋዜጣ ኒውስ ዊክ ከምዝፀብፀቦ።

እቲ ፀብፃብ ከምዘመላኽቶ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኣልጀርያ፣ ግብፂን እውን ዓውዲ ምርምር ህዋ ንምዕባይ የካይደኦ ብዘለዋ ፃዕሪ ናብ ተርታ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ናይጀርያን ኬንያን ተሓዊሰን ከምዘለዋ እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።