ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን 487 ኣዴታት ኣብ ገዛ ወሊደን…

መቐለ ግንቦት 09/2010(ድወት) ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት 487 ኣዴታት ኣብ ገዛ ወሊደን ካብዚኤን እተን ሾሞንተ ኣዴታት ህይወተን ከምዝስኣናን ጠመተ ተዋሂቡ ድማ ክስራሕ ከምዘለዎን ኣባላት ቤት ምኽሪ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ነዚ ዘተሓሳሰቡ ራብዓይ ዘበን መበል 21 ስሩዕ ጉባኤኦም ኣብዘሳለጥሉ እዋን እዩ።

ኣብቲ ጉባኤ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ መደባት ትሽዓተ ኣዋርሕ ብዋና ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ተኽላይ ገብረማርያም ዝቐረበ ኮይኑ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ብኣባላት ቤት ምኽሪ እቲ ወረዳ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ቐሪቦም እዮም።

ካብቶም ብኣባላት ቤት ምኽሪ ዝተልዓሉ ሕቶታት ሓደ ጉዳይ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ዝምልከት ኮይኑ ኣብቲ ወረዳ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት 487 ኣዴታት ብዘይሓገዝ ሰብ ሞያ ሕክምና ኣብ ገዛ ከምዝወለዳን ካብዚኤን ድማ እተን ሾሞንተ ኣዴታት ህይወተን ከምዝስኣናን እዚ ድማ ንጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ዝውሃብ ዘሎ ጠመተ ትሑት ምዃኑን ዘመላኽትን እዩ ክብሉ ገሊፆም። ቖላሕታ ተዋሂብዎ ክስረሐሉ ድማ ኣተሓሳሲቦም።