ኻልኣይ ዙር መቐፀልታ ቱር ደደቢት ውድድር ብሽክሌታ ትማሊ ናይ በረኻ ውድድር ተኻይዱ።
መቐለ ግንቦት 03/2010(ድወት) 50ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝሽፈነ መስመር ሽኸት ኮርስ ቢ ደቂ ኣንስትዮ፦
1ይቲ. ኣበባ ኪሮስ ---------------ካብ መሰቦ
2ይቲ. ሰላም ገ/ሂወት -------------ካብ መስፍን ኢንዳስትሪያል
3ይቲ. ትርሓስ ተ/ሃይማኖት------- ካብ ትራንስ ኢትዮጵያ
4ይቲ. ሰርካለም ታየ --------------ካብ ጋንታ መቐለ
5ይቲ. ሱዛን ተወልደ --------------ካብ ጋንታ መቐለ ኾይነን ተዓዊተን።
እዚ ውድድር 1:37:32:40 ሜይክሮ ሰከንድ ዝወደኣለን ስዓት እንትኸውን 30.82 ኪሎ ሜትሮ ብስዓት ተጓዒዘን እየን።
ብጋንታ፦ 1ይቲ. ጋንታ መቐለ
2ይቲ. ትራንስ ኢትዮጵያ
3ይቲ. መስፍን ኢንዳስትሪያል ኾይነን ተዓዊተን
ሎሚ ዓርቢ፦ መስመር ሃገረ-ሰላም ኮርስ ኤ ደቂ ኣንስትዮ 80 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ክካየድ እዩ።
እዚ ውድድር መፃኢ ሰንበት መፈፀምታ ክረክብ እዩ።