ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ሶርያ - ብሕብረት ኣፍሪካ ተኾኒኑ…

መቐለ ሚያዝያ 09/2010(ድወት) ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶርያ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ኾኒኑ።

ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ኣብ ትዊተር ገፆም እቲ ኣብ ሶርያ ተፈፂሙ ምኽንያት ሞት ዓሰርተታት ኮይኑ ተባሂሉ ዘሎ ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ኾኒኖምዎ።

ማሕበረተሰ ዓለም ድማ ንረብሓ ህዝብን ሉኣላውነትን ሶርያ ኣብ ግምት ዘእተወ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክመፅእ ፃዕሪ ክገብር ኣገንዚቦም።

ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ግብፂ ነቲ ኣብ ሶርያ ተፈፂሙ ዝተብሃለ መጥቓዕቲ እንትትኹንን ኣልጀርያ ድማ ንዕኡ ስዒቡ ብሓያላት ሃገራት ዝዘተፈፀመ ዓፀፋዊ መጥቓዕቲ ኾኒና ኣላ።

ይኹን እምበር ኣቦ መንበር እቲ ኮምሽን ግን ማሕበረሰብ ዓለም ሐዚ ዝተፈላለየሉ እዋን ዘይኮነስ ንዓለማዊ ሰላምን ሰብኣውነትን ብመንፈስ ሓላፍነት ክረባረብ እዩ ትፅቢት ዝግበር ኢሎም።

ብፍላይ ንነዊሕ እዋን ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት ሶርያ ከስተርሕዩ እቲ ፃዕሪ ክሕይል ፀዊዖም።