ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዕብየት ቁጠባ-- ዶክተር ኣብይ

መቐለ ሚያዝያ 09/2010(ድወት) ኣብ ዓውደ ንግዲ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕን ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዕቤት ቑጠባ ሃገርና ዝለዓለ ግደ ክፍፅሙ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፀዊዖም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ምሸት ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዮም፡፡

ዶክተር ኣብይ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ማሕበረሰብ ንግዲ ዝተልዓሉ ሕቶታት ድማ ምላሽ ሂቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ቐረብን ኣጠቓቕማን ሸርፊ ወፃኢን ሕፅረት ቐረብ ልቓሕ ኣብ ኣወሃህባ ትካላት መንግስቲ ዝረአ ፀገም ግዕዝይናን ዘይግቡእ ውድድር ንግድን ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዝረኣዩ ዓበይቲ ፀገማት ዝጥቐሱ’ዮም፡፡

ብዜካ እዚ ነቲ ዓውዲ ዝወሃብ ትኩረት ኢ-ፍትሓውነት ፀገም ቐረብ መሬትን ካልኦት ዝተልዓሉ ፀገማት እዮም።

ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝተልዓሉ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ሓበራዊ ፃዕሪ ኩሎም ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡