ንግዳዊ ርክብ ኢትዮጵያን ማልታን

መቐለ ሚያዝያ 09/2010(ድወት) ኢትዮጵያን ማልታን ብዘይተወሳኺ ቐረፅ ምህርትታተን ናብተን ሃገራት ንምእታው ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሓ ተሓቢሩ።

ኣብ ዋና ከተማ ማልታ ቫሌታ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኽልቲኤን ሃገራት ብወገን ኢትዮጵያ ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

እቲ ዝተኻየደ ፎረም ቢዝነስ ብምትሕብባር ኣብ ጣልያን ሮም ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ማልታን ዝተዳለወ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ድማ ኽልቲኤን ሃገራት ምህርትታተን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ናብተን ሃገራት ንምእታው ኣብ ስምምዕ በፂሐን።

እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጐ ኽልቲኤን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግድን ቑጠባን ዘጠናኽር እዩ ተባሂሉ ኣሎ።