ኣብ ሶርያ ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝፃረር’ዩ ቻይና

መቐለ ሚያዝያ 09/2010(ድወት) ኣብ ሶርያ ዝተወሰደ ሓበራዊ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ንቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝጥሕስ እዩ ክትብል ቻይና ኮኒና፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ብወሃቢት ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣቢሉ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ እቲ ብሃገራት ኣሜሪካ፣እንግሊዝን ፈረንሳይን ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቻርተር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝፃረር ሓላፍነት ዝጎደሎ’ዩ ይብል፡፡

ሶርያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ብዓለምለኸ ሕጊ ዝተኸልኸለ ከሜካል ጋዝ ተጠቂማ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሃገራት ኣሜሪካ፣እንግሊዝን ፈረንሳይን መጥቃዕቲ ዝወሰዳ ምዃነን ዝገለፀ CGTN እቲ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ንዘመናዊ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝፃረር ብዝኾነ ይኹን ተቐባልነት ዘይብሉ ጥሕሰት ሉኣላውነት ምዃኑ ቻይና ገሊፃ፡፡

ወሃቢት ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ሁዋ ቹን ይንግ እቲ መጥቃዕቲ ብዝተወደበ ወታሃደራዊ ወፍሪ ዝተካየደ ፀረ ዓለምለኻዊ ሕጊ ምዃኑ ገሊፀን፡፡