ቀዳመይቲ ሚኒስትር ትሬዛ መይ ኣብ ሶርያ ንዝወስድኦ ስጉምቲ ፅዕንቶ በርቲዕዎን

መቐለ ሚያዝያ 09/2010(ድወት) ቀዳመይቲ ሚኒስትር እንግሊዝ ተሬዛ መይ ብዘይፍቓድ ፓርላማ እንግሊዝ ኣብ ሶርያ ምስ ሃገራት ኣሜሪካን ፈረንሳይን ብሓባር ንዝወስድኦ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ፅዕንቶ ከምዝሓየለን ተገሊፁ፡፡

ቅድሚ ዉሱናት መዓልትታት ብሃገራት ፈረንሳይ፣ኣሜሪካን እንግሊዝን ኣብ ወታሃደራዊ ትሕዝቶታት ሶርያ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ብማሕበረሰብ ዓለምን ሃገራት ዓለምን ዝተፈላለዩ ተቓውሞታት ከምዝበፅሐ ይፍለጥ፡፡

ብዘይ ፍቓድን ምፅዳቕን ፓርላማ ኣብቲ ሓበራዊ ወታሃደራዊ ወፍሪ ዝተሳተፈት እንግሊዝ ድማ እቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ሕጋዊነትን ተቐባልነትን ዘይብሉ ብምንባሩ ኣብ ልዕሊ ቀዳመይቲ ሚኒስትር እንግሊዝ ተሬዛ መይ ፅዕንቶ ይበፅሕ ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃገረን ሓፂር መብርሂ ክህባ ዝተሓተታ ተሬዛ መይ ብፍላይ ካብ ተቋወምቲ ውድባት እታ ሃገር ዝለዓለ ወቐሳ ይበፅሐን ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልፁ፡፡

ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፓርላማ ተቋወምቲ ውድባት እተያ ሃገር መይ ቅድሚ ምስተን ሃገራት ምትሕብባረንን ወታሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳደንን ካብ ፓርላማ እታ ሃገር ፍቓድ ክረኽባ ይግባእ ነይሩ ብዝብል እቶም ተቋውሞኦም ዘስምዑ ዘለው ይብል ፀብፃብ ኣልጀዚራ፡፡