ፕረዝደንት ቡሃሪ ምስ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ክራኸቡ’ዮም

መቐለ ሚያዝያ 09/2010(ድወት) ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕረዝደንት ናይጀርያ መሓመድ ቡሃሪ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ክራኸቡ’ዮም፡፡

30 ሚያዝያ 2018 ምስ ፕረዝደንት ናይጀርያ መሓመድ ቡሃሪ ኣብ ዋይት ሃውስ ክራኸቡ ቖፀሮ ዝሓዙ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ምምሕያሽ ቁጠባ ቃልሲ ኣንፃር ግብረ ሽበራን ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ከምዝዝትዩ ተገሊፁ፡፡

ቢቢሲ ካብ ማዕኸናት ዜና ናይጀርያ ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ኣብ በዓል ሹመት ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሕታዊ ኣፍሪካዊ መራሒ ኮይኖም ዝተረኸቡ ቡሃሪ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ንዝህልዋ ስትራተጂካዊ ርክብ ንምጥንኻር ከምዝሕግዞም ገሊፁ፡፡

ኣሜሪካ ብፍላይ ኣብ ናይጀርያ ንዝንቐሳቐስ ኣሸባሪ ጉጅለ ባኮ ሓራም ንናይጀርያ ሓገዝ ፀጥታ ንምግባር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነበር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሬክስ ቴለርሰን ቃል ብምእታዎም ዑደት እቶም ፕረዝደንት ነዚ ዘጠናክር እዩ ይብሉ ፀብፃባት፡፡