ተግባር ተኮር ትምህርቲ ወረዳ እንዳመኾኒ…

መቐለ መጋቢት 05/2010(ድወት) ኣብ ወረዳ እንዳሞኾኒ ልዕሊ 6ሽሕ ወገናት ኣብ ዝተዋደደ ተግባር ተኮር ትምህርቲ ንኣባፅሕ ይሳተፍ ከምዘለዉ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ከምዝሓበሮ ካብቶም ኣብ ዝተዋደደ ተግባር ተኮር ትምህርቲ ንኣባፅሕ ይሳተፍ ዘለዉ 6ሽሕን 327 ወገናት እቶም 2ሽሕን 924 ኻልኣይ ዓመቶም እንትኾኑ እቶም ዝተረፉ ልዕሊ 3ሽሕ ወገናት ድማ ሓደሽቲ ኣብዚ ዓመት ዝጀመሩ እዮም።

ከምኡ’ውን ትሕቲ ሸውዓተ ዓመት ዝዕድሚኦም ልዕሊ 7ሽሕ ህፃናት ኣብ ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ እናተሳተፉ እንትኾን 342 ሰገናት ድማ ተጠቀምቲ ዕድል ትምህርቲ ኣማራፂ ይኾኑ ከምዘለዉ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣገንዚቡ።

እቶም ኣብ ዝተዋደደ ተግባር ተኮር ትምህርቲ ንኣባፅሕ ይመሃሩ ዘለዉ ወገናት ዝነበሮም ፀገም ምንባብን ምፅሓፍን ከምኡ’ውን ምግባጥ ቑፅርታትን ካብ ምፍታሕ ብዝሰገረ ኣብ መዳይ ምጥቃም እታወታት ሕርሻ ምክልኻል ሕማማትን ኻልኦትን ዝበሉ ሓፈሻዊ ፍልጠታትን ንምጭባጥ ዘኸእል ግንዛበ መዕበይ ፍልጠት ይረኽቡ ከምዘለዉ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።