80 ሚኢታዊ ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ድረ-ገፃት ዜና ሕሶት ይቕበሉ

መቐለ መጋቢት 05/2010(ድወት) ካብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ድረ-ገፃት እቶም 80 ሚኢታዊ ንዜና ሕሶት ዝኣምኑ’ዮም እዚ ድማ ንስርዓት ዴሞክራሲ ሓደጋ’ዩ ተባሂሉ፡፡

ብኮምሽን ሕብረት ኣውሮፓ ዝተገብረ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ኣብ 28 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ካብ 10 ሰባት እቶም 7 ዝተጋገየ ወይ መሰረት ዘይብሉ ሓበሬታ ይቕበሉ፡፡

ካብቶም መፅናዕቲ ዝተገበረሎም 37ሚኢታዊ ካብ 10 እቶም 4 መዓልታዊ እንተውሓደ ሓደ ዜና ሕሶት ዝቅበሉ’ዮም፡፡

እቶም 71 ሚኢታዊ ድማ ካብ 10 ሰባት እቶም 7 እቲ ኩነታት ብምዕራይ ከምዝቅበልዎ ገሊፆም፡፡

ብሓፈሻ ግን ካብቶም መፅናዕቲ ዝተገበረሎም ሰባት እቶም 85 ሚኢታዊ ሓሶት ዜና ከምዝበፅሖምን 85 ሚኢታዊ ድማ ንዴሞክራሲ ዓቢ ሓደጋ ምዃኑ ከምዝግንዘቡን ገሊፆም፡፡