ሬክስ ቴለርሰን ካብ ሓላፍነቶም ተኣልዮም…

መቐለ መጋቢት 043/2010(ድወት) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቴለርሰን ካብ ሓላፍነቶም ተኣልዮም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንነበር ዳይረክተር ትካል ስለላ ኣሜሪካ ዝነበሩ ማይክ ፖምፕዮ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ገይሮም ምሕራዮም እዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትዊተሮም ሓዱሽ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ዝበለፀ ስራሕ ክሰርሑ ተስፋ ይገብር ዝብል ፅሑፍ ከምዘስፈሩ እዉን ቢቢሲ ገሊፁ።

ሬክስ ቴለርሰን ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓልሉ ምኽንያት ግን ዝተገለፀ ነገር የለን።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ፕረዝደንት ትራምፕ ጊና ሃስፐል ዝተብሃላ ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ዳይሬክተር ትካል ስለላ ኣሜሪካ ገይሮም ከምዝሓረዩ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።