ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ ፅሬት ዘተኮረ ክኸውን ይስራሕ’ሎ

መቐለ ለካቲት 07/2010(ድወት) ብደረጃ ትግራይ 1 ለካቲት 2010ዓ.ም ዝጀመረ ወፍሪ ዕቐባ ሓመድን ማይን ካብ በዝሒ ዘይኮነስ ኣብ ፅሬት ትኹረት ሂብካ ይውገን ከምዘሎ ገሊፁ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ክልል ትግራይ፡፡

ኣብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ክልል ትግራይ መራሒ ጉጅለ ትግበራ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣይተ ኣረፈ ኪሮስ ንማህደረ ድምፂ ወያነ ትግራይ ከምዝሓበርዎ ካብ 1 ለካቲት 2010ዓ.ም ዝጀመረ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን መዓልታዊ 1.4 ሚልዮን ሓረስቶት ብናፃ ጉልበት ይኸቱ ከምዘለው ገሊፆም፡፡

እዚ ብደረጃ ትግራይ ኣብ ዞባ ደቡብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ጣብያ ላዕላይ ዳዩ ዝተጀመረ ወፍሪ ቅድሚ ወርሒ ለካቲት ካብ 23-30 ጥሪ ዝፀንሐ ብሽም ወፍሪ ሰማእታት ዝተካየደ ስራሕ ፈተነ ውፅኢታዊ ምንባሩ ኣይተ ኣረፈ ሓቢሮምልና’ዮም፡፡

ኣብ 100ሽሕ ሄክታር ዝርከባ 1ሽሕን 421 መፋስሳት ንምልማዕ ትልሚ ተታሒዙ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም መተሓባበሪ እዚ ንምትግባር ኣስታት 18ሽሕ ጉጅለታት ልምዓት እኹል ምድላው ከምዘካየዳ ኣብሪሆም፡፡

ቅድሚ ሐዚ ይረአ ዝነበረ ፀብፃብ ሓሶት ንምትራፍ ኣብ በዝሒ ዘይኮነስ ኣብ ፅሬት ትኹረት ተዋሂቡ ከምዝስራሕን እቲ ወፍሪ ክካየደሉ ዝተብሃለ 100ሽሕ ሄክታር ብካርታ ናይ ምርግጋፅ ስራሕቲ ከምዝካየደሉን ኣይተ ኣረፈ ኣብ ዝሃቡና ሓበሬታ ገሊፆም፡፡