ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪካ ዝምልከቱ ውሳነታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ፅዕንቶ ተዕርፍ ኣላ

መቐለ ለካቲት 07/2010(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ጎንፅታት ኣብ ዝምልከቱ ዉሳነታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እወንታዊ ፅዕንቶ ተዕርፍ ከምዘላ ቀዋሚ ተወካሊ እቲ ትካል ዶክተር ተቀዳ ኣለሙ ገሊፆም።

ዶክተር ተቀዳ ንኢዜኣ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኮይና ካብ ዝተመረፀትሉ እዋን ጀሚሩ ምስ ኣባል ሃገራት ኣፍሪካ ብምዃን ሓበራዊ ቅዋም ብምንፅብራቕ ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ኣፍሪካ ብትኹረት ክትከታተል ከምዝፀንሐት ኣብሪሆም።

ብፍላይ ፀገም ፀጥታ ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት ኣፍሪካ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ እወንታዊ ፅዕንቶ ብምሕዳር ዘይተሓለለ ፃዕርታት ትገብር ከምዘላ ገሊፆም እዮም ብፍላይ ኣብ ሃገራት ሶማልያ ፣ ደቡብ ሱዳንን ዳርፉርን ዛጊድ በቲ ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፉ ዉሳነታት ብኣብነት ብምፅራሕ ።

ኣብ ቀፃሊ እዉን ጉዳይ ሱዳንን ሶማልያን እቲ ቤት ምኽሪ ትኹረት ዝገብረሎም ጉዳያት ፀጥታ ኣህጉረ ኣፍሪካ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ ጉዳያት ፀጥታ ኢትዮጵያ ሰራዊት ካብ ዘዋፅኣ ሃገራት ብቐዳምነት ከምእትፅራሕ ዝገለፁ ዶክተር ተቀዳ ኣለሙ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካ ኣፍሪካ ፅዕንቶ ምፍጣር እትኽእል ሃገር ከምዝኾነት እዉን ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ተለዋጢት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ክትኸውን ሐዚ ንሳልሳይ ግዘኣ እዩ።