መንግስቲ ሕቶ ህዝቢ ንክምልስ ግዘ ክወሃቦ ይግባእ ተባሂሉ

መቐለ ለካቲት 07/2010(ድወት) መንግስቲ ማእከላይ ኮሚቴ ኦህዴው ብዘቀመጦ ኣንፈት ክሰርሕ ህዝቢ ግዘ ክህቦ ይግባእ ኢሉ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኦሮምያ፡፡

ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ሮ ኡሚ ኣባጀማል ኣብዚ ቅነ ኣብ ገለ ከባብታት ኦሮምያ ዝተፈጥረ ስራሕቲ ንግዲ ምዕፃው፣መንገዲ ምዕፃው ኢሉ’ውን ናብ ህውከትን ዕግርግርን ዘምርሑ ተርእዮታት ከምዝነበሩ ሓበራ’ሞ ከምመበገሲ ዝተርኣዩ ድማ ዝተረፉ እሱራት ይፈትሑን ሕቶ ተጠቃምነት ልምዓትን ዝብሉ ኮይኖም ናብ ናዕቢ ዝተቀየረሉ ኩነታት ከምዝነበረ ገሊፀን፡፡

ከምውፅኢቱ ድማ ኣብ ባቱ፣ለገጣፎን ጅማን 8ተ ሰባት ሓደጋ ዝበፅሖም ኮይኑ ትካላት መንግስትን ውልቀን’ውን ዓንዮም’ዮም፡፡

ካብ ክልል ሶማሌ ተመዛቢሎም ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኦሮሚያ ኣማሬሳ ዝተዓቖቡ 4 ሰባት ከምኡ’ውን ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ መዳወላቡ ብዝተፈጥረ ጎንፂ 3ተ ሰባት ብሓፈሻ 7ተ ሰባት ከምዝተቀተሉ’ውን ገሊፀን፡፡

መንግስቲ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣብዘለሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከምዚ ዓይነት ናዕቢ ኣግባብ ከምዘይኮነ ዝገለፃ ወ/ሮ ኡሚ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ሐዚ’ውን ተባራዕቲ ሕቶታት ንክምለስ ይረባረብ ከምዘሎ ኣረጋጊፀን፡፡

ጎና ጎኒ ድማ ሓደጋ ዘብፅሑ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቀርቡ ከምዝስራሕን ሕብረተሰብ ድማ ምድምማፅ ህዝብን መንግስትን ዘተዓናቅፍ ተግባር ካብ ምፍፃም ክቁጠብ ፀዊዐን፡፡

መንግስቲ ዝተነፀሩ ኣንፈታት መሰረት ጌሩ ክሰርሕ ድማ ህዝቢ ግዘ ክህቦ ይግባእ በላሞ መራሕቲ ሃይማኖት ኣባገዳታትን ዓበይቲ ዓዲን ዝጀመርዎ ስራሕቲ ምርግጋዕ ከጠናክሩ ፀዊዐን፡፡

መንግስቲ ክልል ኦሮምያ በቲ ጎንፂ ንዝጠፍአ ሂወት ሰብ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ፡፡