ትካል ዕዳጋ ምህርቲ ኢትዮጵያ 14 ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ምህርቲ ኣተዓዳዲጉ

መቐለ ለካቲት 07/2010(ድወት) ትካል ዕዳጋ ምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ፍርቂ በጀት ዓመት ልዕሊ 14 ቢልዮን ቅርሺ ዋጋ ዘለዎም ምህርታት ኣተዓዳዲጉ፡፡

እቲ ትካል ኣብዚ ፍርቂ በጀት ዓመት 275ሽሕን 770 ቶን ምህርቲ ማለት 10.2 ቢልዮን ቅርሺ ዝግመት ምህርቲ ከተዓዳድግ ትልሚ ዝነበሮ እንትኮን 317ሽሕን 607 ቶን ምህርቲ ብ14.47 ቢልዮን ቅርሺ ብምትዕድዳግ ካብ ትልሙ ብመጠን ብ23 ሚኢታዊ ብዋጋ ድማ ብ42 ሚኢታዊ ሓለፋ ኣመዝጊቡ’ዩ፡፡

ኣብዞም ዝሓለፏ 6ተ ኣዋርሕ 133ሽሕን 818 ቶን ቡን ብ9 ቢልዮን ቅርሺ ዝተዓዳደገ እንትኮን ካብ እቲ 82 ሚኢታዊ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ዝለኣክ’ዩ፡፡

ምህርቲ ሰሊጥ ድማ ንቡን ስዒቡ ብዝለዓለ መጠን ዝተዓዳደገ ምህርቲ እንትኮን 5.2 ቢልዮን ቅርሺ ዋጋ ዘለዎ 166ሽሕን 691 ቶን ሰሊጥ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ’ዩ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ተከታታሊ ስጉምቲ ስለዝወሰዱን መድረክ እቲ ዕዳጋ ፍትሓዊ ብምኳኑን ንዕውት ኣፈፃፅማ እቲ ትካል ተጠቀስቲ ምክንያታት’ዮም፡፡