ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደች ስልጣን ለቂቖም

መቐለ ለካቲት 07/2010(ድወት) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደች(ኔዘርላንድ) ብምክንያት ዝፈፀምዎ ሓሶት ስልጣን ለቂቖም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃልቤ ዚጅለስትረ ኣብ 2017ዓ.ም.ፈ ወርሒ መጋቢት ንዝተካየደ መረፃ ዝተጠቀምሉ መለዓዓሊ ምስ ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣኬባ ተሳቲፈ ፕረዝደንት ፑቲን ዓባይ ሩስያ ክሃንፁ ከምዝደልዩ ተዛሪቦም ዝብል ኔሩ፡፡

ፕረዝደንት ፑቲን ንቤላሩስ፣ዩክረይን ግዝኣታት ባልቲክ እንተተካኢሉ ድማ ካዛኪስታን ጠቅሊሎም ዓባይ ሩስያ ክሃንፅ ይደሊ’የ ክብሉ ሰሚዐ ኢሎም ኔሮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡፡

እዚ ግን ፍፁም ሓሶት ምዃኑ’ዮም ባዕሎም ንጋዜጠኛታት ገሊፆም፡፡

እቲ ዝተዛረብክዎ ሓቅነትን ተቀባልነትን ዘይብሉ’ዩ ካብ ካልኣይ ወገን ዝሰማዕክዎ ምበር ኣብቲ ዝተብሃለ ኣኬባ’ውን ኣይተሳተፍኩን ድማ ኢሎም፡፡

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ሩስያዊ መዘነኦም ሰርገይ ላቭሮቭ ሎመዓንቲ ኣብ ሞስኮ ክራኸቡ ቖፀሮ ኔርዎም’ዩ፡፡

ይኹን’ምበር ትማሊ ካልእ ኣማራፂ ዘለኒ ኣይመሰለንን ስልጣን ካብ ምልቃቅ ወፃኢ ኢሎም’ለው፡፡