13 ንፁሃን ዜጋታት ናይጀርያ ካብ ባኮ ሓራም ተለቒቆም…

መቐለ ለካቲት 04/2010(ድወት) ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቐስ ኣሸባሪ ጉጅለ ባኮ ሓራም ዓጊትዎም ዝፀንሑ 13 ንፁሃን ዜጋታት ናይጀርያ ንመንግስቲ ከምዝረከበ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እታ ሃገር ብኣሸባሪ ጉጅለ ባኮ ሓራም ተጨውዮም ዝፀንሑ 13 ዜጋታት እታ ሃገር ንመንግስቲ ናይጀርያ ዘረከበ ብምትሕባር ማሕበር ቐይሕ መስቀል ዓለም ምዃኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ካብቶም ኣብ ትሕቲ ባኮ ሓራም ፀኒሖም ዝተለቐቑ ናይጀርያውያን 10 ደቂ ኣንስትዮ፣ ሰለስተ ድማ መምህራን ኣብ ማይ ዱጉሪ ዝርከብ ኮሌጅ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብ 2009ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ ናይጀርያ እስላማዊ መንግስቲ ንምምስራት ኢሉ ዝንቐሳቐስ ኣሸባሪ ጉጅለ ባኮ ሓራም ኣብቶም ዝሓለፉ ሾሞንተ ዓመታት ልዕሊ 20ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለ ፀብፃብ ቢቢሲ የመልክት።