ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ንኣሰልጣኒኣ ብርሃነ ገብረግዜኣብሄር ኣሰናቢታ፡፡

መቐለ ጥሪ 15/2010(ድወት) ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ንኣሰልጣኒኣ ብርሃነ ገብረግዜኣብሄር ኣሰናቢታ፡፡ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓድግራት ኣብቶም ዝሓለፉ 7 ግጥማት እቲ ሊግ ዝኾነ ይኹን ዓወት ብዘይምምዝጋባ ደገፍታ ተቓውሞ ክገልፁ ድሕሪ ምፅናሕ ቦርድ እታ ጋንታ ትማሊ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ኣኼባ ኣሰልጣኒ ንኸሰናበት ወሲኑ ኣሎ።

ብርሃነ ገብረግዚኣብሄር ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጋንታ ወልዋሎ ብኣንፀባራቒ ዓወት ናብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ክትሓልፍ ኣኸኢልዋ እዩ፡፡ ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ዝነኣድ ኣጀማምራ ብምግባር ኣብ ቅድሚት እቲ ሊግ ተቐሚጣ ኔራ እያ ፡፡ ሐዚ ብዕሊ ተሰናቢቱ ኣሎ ንግዚኡ ድማ ብምኽትል ኣሰልጣኒ ሃፍቶም ኪሮስ ክትምራሕ እያ ተባሂሉ ኣሎ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ሓዱሽ ልምዲ ዘለዎ ኣሰልጣኒ ንምቑፃር መስርሕ ከም ዝተጀመረ ቦርድ እታ ጋንታ ገሊፁ ኣሎ፡፡