ብፅሒት ዕዳጋ ኤርባስ ዓብዩ

መቐለ ጥሪ 08/2010(ድወት) ትካል መፈረዪ ኣውሮፕላን ኤየር ባስ ንመፍረዪ ኣውሮፕላን ቦይንግ ብብፅሒት ዕዳጋ ከምዝበለፆ ተሓቢሩ።

ኣውሮፓዊ ትካል ኤየር ባስ ዝቐረበሉ ሕቶ ዕድጊት ኣውሮፕላናት ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ዓመት ንኣሜሪካዊ ትካል ቦይንግ ከምዝበለፆ ሮውይተርስ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ዝሓለፈ 2017 ዓመተ ፈረንጂ ኤየር ባስ 1ሽሕን 109 ትእዛዝ ዝተቐበለ ኮይኑ ፤ ቦይንግ ድማ 912 ትእዛዛት ጥራይ እዩ ተቐቢሉ።

ትካል ኤርባስ ከምዝበሎ ኣብ 2017 ዓመተ ፈረንጂ ክበፅሖ ዝሓሰቦ ልዕሊ 700 ፍርያት 718 ኣውሮፕላናት ናብ ዓማዊሉ ብምቕራብ ትልሙ ዕውት ከምዝኾነ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

እዚ ምስ 2016 ዓመተ ፈረንጂ እንትነፃፀር ብ4 ሚኢታዊ ዕብየት ኣርእዩ’ሎ።

ቅድሚ ሐዚ ትካል ቦይንግ ንተኸታታሊ ሹዱሽተ ዓመታት ዕዳጋ ኣውሮፕላን ተቖፃፂርዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዓመት 763 ኣውሮፕላናት ብምፈራይ ናብ ዓማዊሉ ዘቕረበሉ ኩነታት ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ከምተመዝገበ ዝፍለጥ እዩ።