ዋጋ ነዳዲ ኣብ ወርሒ ጥሪ’ውን ብዝነበሮ ክቕፅል ተወሲኑ

መቐለ ጥሪ 01/2010(ድወት) ዋጋ ነዳዲ ኣብ ወርሒ ጥሪ’ውን ብዝነበሮ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግዲ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ከምዝገለፆ ብዜካ ዋጋ ነዳዲ ኣውሮፕላን ዋጋ ምህርቲ ካልኦት ዓይነታት ነዳዲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብዝነበሮ ዋጋ ኣብ ወርሒ ጥሪ’ውን ብዘለዎ ክቕፅል’ዩ፡፡

ሚኒስቴር ንግዲ ንኤዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ፀብፃብ ክሳብ 30 ጥሪ 2010ዓ.ም ኣብ ዋጋ ነዳዲ ኣውሮፕላን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝሽወጠሉ ካብ ዝነበረ 21 ቅርሽን 6 ሳንቲምን 40 ሳንቲም ወሰኽ ብምግባር 21 ቅርሽን 46 ሳንቲምን ክሸውጥ’ዩ፡፡

እዚ መንግስቲ የተግብሮ ዘሎ ምርግጋዕ ዋጋ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባርን ምንካይን ምውሳኽን ዋጋ ነዳዲ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይምርግጋዕ ንከይፈጥር ተባሂሉ ዝተወሰነ’ዩ፡፡

እዚ ዋጋ ብደረጃ ዓለም ዝህሉ መበገሲ ዋጋ ነዳዲ መሰረት ብምግባር ከምኣድላይነቱ ወሰኽ ክግበረሉ ከምዝኽእል ድማ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡