ቅድመ መፃረይ መርሃ ግብሪ ግጥማት ቻምፒዬንስ ሊግ ኣፍሪካን ኮንፌደሬሽን ኣፍሪካን ዕላዊ ኮይኑ።

መቐለ ታሕሳስ 05/2010(ድወት) ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲት ፅዋዕ ፕረምየሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዬርጊስ ኣብዚ ውድድር ዓመት ኣብ ቻምፒዬንስ ሊግ ኣፍሪካ ትሳተፍ እንትኸውን ኣብ ፈላማይ ቅድመ መፃረይ ግጥማ ምስ ጋንታ ደቡብ ሱዳን ኣልሰላም ክትረክብ እያ።

ሻምፒዬና ኣውዲቓ ምሕላፍ ጋንታታት ኢትዮጵያ ዝኾነትን ነቲ ውፅኢት ስዒቡ’ውን ኣብ ኮንፈደሬሽን ፅዋዕ ኣፍሪካ ዘሳትፍ ዕድል ዝረኸበት ወላይታ ዲቻ ኣብ ፈላማይ ዙርያ ቅድመ መፃረይ ምስ ጋንታ ዛንዚባር፣ ዚማሞቶ ክትራኸብ እያ።

ጋንታታና ፈላማይ እግሪ ፀዋትኣን ኣብ ሜድኣን ከካይዳ እየን።