ኢትዮጵያን ኳታርን ክልቲኣዊ ስምምዕ ፈሪመን

መቐለ ሕዳር 06/2010(ድወት) ኢትዮጵያን ዃታርን 2ቲኣዊ ርክበን ዘጠናኽሩ ዝተፈላለዩ ስምምዕነት ከምዝተፈራረማ ተሓቢሩ፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ዓሚር ኳታር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣልታኒ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዮም፡፡

ብቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሃገርና ብቅድሚ ትማሊ ናብ ኳታር ዶሃ ከምዝኣተው ይዝከር፡፡

ዓሚር ኳታር ሼክ ታሚም ቢን ሃማድ ኣልታኒ ድማ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣቐባብላ ጌሮምሎም፡፡

2ቲኦም መራሕቲ ርክብ 2ቲኤን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዘተዩ ኮይኖም ርክበን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ድማ ኣብ ኣወሃህባ ቪዛ ዲፕሎማትን ጉዳያት ኢንቨስትመንትን ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ መዘነኦም ኳታራዊ መሓመድ ቢን ዓብዱል ራሕማን ኣልታኒ ዘትዮም፡፡

መራሕቲ 2ቲኤን ሃገራት ኣብ ምጥንካር ንግድን ኢንቨስትመንትን እተን ሃገራት ትኹረት ጌሮም ከምዝተዘተዩ ድማ ኢዜኣ ፀብፂቡ፡፡