ሊግ መናእሰይ ዝምባብዌ ኢድ ኣእታውነት ተቃዊሙ

መቐለ ሕዳር 06/2010(ድወት) ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ዛኑ ፒኤፍ ዙምባብዌ ንክብርን ሃለዋትን ፕረዝደንት ሃገሩ ክሳብ መስዋእቲ ሂወት ከምዝኸፍል ገሊፁ፡፡

ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ዛኑ ፒኤፍ ኣብ ፓለቲካዊ ጉዳያት ዙምባብዌ ኢድ ኣእታውነት ዝኮነ ደጋዊ ይኩን ውሽጣዊ ኣካል ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ፡፡

ወታሃደራዊ ኣዛዚ እታ ሃገር ኮማንደር ጀነራል ኮንስታንቲኖ ችዌንጋ ነባራት ተቃለስቲ ምውጋድ ኣግባብነት የብሉን ነባራት ተቃለስቲ ይጥቅዑ ኣለው ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስልጣኖም ንዝተወገዱ ምክትል ፕረዝደንት እታ ሃገር ዝሕለቅ መግለፂ ምሃቦም ይዝከር፡፡

ነዚ ስዒቡ ሊግ መናእሰይ ዛኑ ፒኤፍ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ውድብናን መራሒናን ዘነፃፀረ ስግኣት ኢድና ኣጣሚርና ንዕዘቦ ዘይኮነስ ሂወት እንኸፍለሉ’ዩ ኢሉ፡፡

ስለዚ ነዚ ውድብ ይኩን ነዛ ሃገር መን ይምረሓ’ያ ዝብል ወታሃደራዊ ሓይሊ ዘይኮነስ ፓለቲካዊ ሓይሊ’ዩ ዝውስኖ ይብል እቲ መግለፂ፡፡

ኣብ ዙምባብዌ ይኩን ኣብ ዝኮነት ትኩን ሃገር ብሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዝተመረፀ መንግስቲ ንምዕላው ዝግበር ዝተመረፀ መንግስቲ ንምዕላው ዝግበር ፈተነ ገበን’ዩ ዝበለ እቲ መግለፂ መናእሰይ ዝምባብዌ ዘብዒ ሕገ-መንግስቲ ሃገሮም ከምዝኮኑ ኣረጋጊፁ፡፡

ብተመሳሳሊ ቀንዲ ተቋዋሚ እታ ሃገር ውድብ ምንቅስቃስ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ (MDC) ኢድ ኣእታውነት ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ፓለቲካ ዙምባብዌ ተቋዊምዎ፡፡

ኣብ ዙምባብዌ ዴሞክራስያዊ ብዘይኮነ ኣገባብ ዝፍፀም ፈተነ ኢሉ’ውን ተግባር ዕልዋ ፍፁም ተቀባልነት የብሉን ኢሉ እቲ ውድብ፡፡

ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራሬ ድሩዕ ኣፅዋር ዝሓዛ መካይን ምርኣየን ኣብታ ሃገር ተወሳኺ ወጥሪ ክዓስል ጌሩ’ሎ፡፡

ይኹን’ምበር ፕረዝደንት ሙጋቤ ይኩኑ ስድረኦም ውሑሳት’ዮም እዚ ወታሃደራዊ ኣፅዋር ዕላምኡ ንገበነኛታት’ዩ ክብል’ዩ መግለፂ ሂቡ ወታሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር፡፡

ማሕበራውን ቁጠባውን ዘይምርግጋዕ ንክፍጠር ኣብ ልዕሊ ዝንቐሳቐሱ ሓይልታት ዘነፃፀረ’ዩ ኢሉ’ሎ፡፡

ውድብ ዛኑ ፒኤፍ ግን ኣብ ዙምባብዌ ዝፍፀም ዕልዋ መንግስቲ ኣይህሉን መዓልታዊ ስራሕኩም ተረጋጊዕኩም ቀፅሉ ዝዓይነቱ መግለፂ ሂቡ’ዩ ትማሊ ኣብ ትዊተር ድረ-ገፁ፡፡