ማዕቐብ ኤርትራ ተናዊሑ

መቐለ ሕዳር 06/2010(ድወት) ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኤርትራ ደንጊግዎ ዝፀንሐ ማዕቀብ ኣፅዋር ንተወሳኪ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲኑ፡፡

እቲ ባይቶ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኬባ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኤርትራን ሶማልያን ተደንጊጉ ዝፀንሐ ማዕቀብ ክናዋሕ ዝቀረበ ሓሳብ ብ11 ድምፂ ድጋፍን 4ተ ድምፂ ተኣቅቦን ኣፅዲቑ’ዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፏ ሒደት መዓልታት ኤርትራ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ምርግጋዕ ከይፍጠር ትንቀሳቀስ ከምዘላ ዘመላክት ፀብፃብ ጉጅለ ምርመራ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኤርትራን ሶማልያን ናብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምቅራቡ ይዝከር፡፡

ኤርትራ ንኣሸበርቲ ትሕግዝ’ያ ብዝብል ኣብ 2009ዓ.ም.ፈ ማዕቀብ ኣፅዋር ከምዝተደንገጋ’ውን ይፍለጥ፡፡