ኮሌጃት ውልቐ መስርሕ ቴክኒክን ሞያን ከተግብራ ይግባእ

መቐለ ሕዳር 05/2010(ድወት) ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ውልቐ ንሕጊ ተኣዘዝቲ ኮይነን እንትሰርሓን ጥራሕ ብስነ-ምግባር ፍልጠት ዝተሃነፀ ዜጋ ምፍራይ ከምዝኽእላ ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉጌታ ሓዱሽ ገሊፆም፡፡

ዶክተር ሙሉጌታ ነዚ ዝገለፁ ትማሊ ንምንቅስቃስ ኮሌጃት ውልቀ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ፡፡

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ መንግስቲ ድሕሪ ብዕምቖት ምህዳስ ብዘምፅኦ ሓዱሽ ኣሰራርሓ መሰረት ንፅሬት ትምህርትን ስልጠናን ዕንቅፋት ኣብ ዝነበሩ ገለ ኣሰራርሓታት ኮሌጃት ውልቀ ንምቕራፍ ትኹረት ከምዝተውሃቦምን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓመት ኣብዚ ዝያዳ ንምስራሕ መደብ ከምዝተታሓዘን ተሓቢሩ፡፡

ዶክተር ሙሉጌታ ሓዱሽ ብወሳኺ ዜጋታት ኣፍልጦ ናብ ዝተውሃቦም ኮሌጃት ከይዶም ናይ ምምሃር መሰል ዘለዎም እንትኸውን ይኹን እንበር ሰኣን እኹል ሓበሬታ ግቡእ ኣፍልጦ ኣብ ዘይብሎም ኮሌጃት እንዳእተው ንተደራራቢ ፀገም ይቓልዑ ከምዘለውን እዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ምስ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ብምውዳድ ኣብ ምንቅስቃስ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሓፈሻ ኣብ መላእ ትግራይ 112 ኮሌጃት ኣለዋ ካብዚኤን እተን 36 ናይ መንግስታዊ እንትኾና እተን 76 ድማ ውልቀ ኮሌጃት’የን፡፡